banner_sprache_pink
banner_sprache_mobil_pink
Mamalies Tigrinya

ታሪኽ ናይ MAMALIES

ኣብ መወዳእታ ሓጋይ 2015፡ መዓልታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጀርመን ይስደዱ ነይሮም። ዕላማኦም ድማ: ንነብሶምን ንስድራቤቶምን ውሑስ ዝኾነ ህይወት ንምህናጽ እዩ ዝነበረ። ኣብ ሓደ እዋን ምስ ስድርኣ ካብ ኢራን ዝተሰደደት ሌላ ኦሄልሪች ሕጂ ኣደ ጓል 3 ወርሒ ህጻን ኮይና ኣላ። ምስ ንእሽቶ ሕቅዋፍ ቆልዓ ኣብ ሕዝባዊኣገልግሎት ሲቪካዊ ንጥፈታት ድማ ክትሳተፍ ትደሊ እያ፡ ነዚ ንምግባር ድማ ክሳዕ ክንድኡ ቀሊል ኣይኮነን። ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሓት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ንጥፈታት ክሳተፋ ይደልያ እየን። ደቀን ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለዝኾና ግና ነዚ ንምትግባር ብቐሊሉ ኣይክእላን እየን።

ሌይላ ኦልሪች ኣብ ንነኣሽቱ ህጻናት ዝከናኸና ደቂ ኣንስትዮ ወለንታዊ ትምህርታዊ መደብ ጀሚራላ። እዚ ጽማ ኣብ Mamalies እዩ ። እቲ ኣድላይነት ኣብ ከምዚ ዝበለ መደብ ምስታፍ ዓቢ ስለዝኾነ ኣብ መጀመርታ 2017 ማእከል ትምህርትን ምትእኽኻብ ዜግነታዊ ተወፋይነትን ክኸውን ድማ እዩ። ስለዚ እቲ መደብ ትምህርትን ስልጠናን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣብ ሃፈንሲቲ ሃምቡርግ ባህላዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ህንጻ ተደኩኑ ዝርከብ ኣብ 400 ትርብዒት ሜትሮ ብነጻ ክቐርብ ይግበር ኣሎ። እተን ደቀኣንስትዮ ካብ መላእ ከተማ ሃምቡርግ ዝመጻ እየን ምኽንያቱ እዚ ጥራይ እዩ ብዓይነቱ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ህያብ ዝቕርብዘሎ። እቲ ዋሕዚ ተማሃሮ ድማ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 1000 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ናብ ትምህርትና ይበጽሓን ግቡእዝኾነ ኣገልግሎት ድማ ይረኽባ ኣለዋ። እዚ ድማ ልዕሊ 35 ዝኾኑ ውፉያትን ንጡፋትን ምስ ኣረጋውያንን ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍልታትን እዮም ዘካይድዎ ዘለዉ። ምስ ካልኦት ብምትሕብባር፡ መስቀላዊ መንገዲን ምድህሳስ ፈጠራዊ ኣገባባት ትምህርትን ምንዳይ መሪሕ መትከላት Mamalies እዮም።

Mamalies ስርሑ ቀጻሊነት ብዘለዎ ብዝኾነ መንገዲን ኣገባብን ንምድጋፍ ኣብ መወዳእታ ሓጋይ 2017 ከም መኽሰብ ንምርካብ ዘይተመስረተ ሓላፍነት ዘለዎ ኩባንያ ወይ ሕብረት ኮይኑ እዩ ተመስሪቱ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ድማ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ደገፍ ብ ገንዘብ ምወላ ድማ ረኺቡ። Mamalies ኣብ መፋርቕ 2020 ለበዳ ኮሮና ምስተኸስተ ዳግመ ውደባ ብምግባርን ከምብሓድሽ ብሞያውያን ክሰርሕን ጀሚሩ እዩ። ወይዘሮ ሲዶኒ ፈርናን ከም ሓዳስ መሻርኽትን ሓድሽ ክኢላን ንሓባራዊ ዕላማ: ትምህርታዊ መደባትን ምዕሩይነትን ንምንጣፍ ጀሚራ ኣላ።

ኣብ ዝቐጸላ ክልተ ዓመታት ቀረባትና ሚዛን ክነትሕዞ ክኢልና። Mamalies ሕጂ ኣብ ሃምቡርግ ዝተመስረተ ማሕበራዊ ትካል እዩ። ናይ ብሕቲ ዑደት ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተባሂሉን ንሓደስቲ በጻሕቲ ቅድመ-ምድላዋትን ኩሉ ግዜ የተግብሩ ኣለዉ።

ንዝበለጸ ሓበሬታን ሕቶ ወይ ሪእቶ ምስ ዝህልወኩም ወትሩ ክንሰምዓኹም ብሃንቀውታ ንጽበ። ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ ብ ቁፅሪሞባይል 017673552851
ደዊልኩም ርኸቡና። ወይ ድማ Email: info@mamalies.de ጸሓፉልና